ህይወት ሰባት ንምምሕያሽ ልዑል ትኹረት ሂብና ንሰርሕ ኣለና – ከንቲባ ኣዳነች
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ህይወት ሰባት ንምምሕያሽን ተረባሕነት ነበርቲናን ንምርግጋፅን ልዑል ትኹረት ሂብና ንሰርሕ ኣለና ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፥ “ሎሚ መዓልቲ ዝተዋደደ መንደር ልምዓትን መንበሪን ገላን ጉራ ብምምራቕ ካብ ካዛንቺስ ብልምዓት ንዝተልዓሉ ነበርቲ ኣረኪብና” ኢለን።
ምልክት ኢትዮጵያ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ከምስማ ውቅብቲ ዕምበባ ንምግባር መሰረተ ልምዓት ካብ ምምላእ ብተወሳኺ ህይወት ሰባት ንምምሕያሽን ተረባሕነት ነበርቲን ንምርግጋፅ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፀን።
ነበርቲ ካብ ዝኣረገን ንምንባር ዘይምቹን ከባቢ ካዛንቺስ ክወፅኡ ብምግባር ንናብራ ምቹው ናብ ዝኾነ ገዛን ከባቢን ክኣትዉ ከምዝተገበረ ብምግላፅ፥ በዚ ድማ ዘይወት ሰባት ንምልዋጥ ስራሕ ሰሪሕና ኢና ኢለን።