ዝተዋደደ መንደር ልምዓትን መንበሪን ገላን ጉራ
ካብ ካሳንችስ ንልምዓት ዝተልዓሉ ኣብ ገላን ጉራ ዝተሃነፀን ሎሚ መዓልቲ ኣገልግሎት ዝጅምርን ዝተዋደደ መንደር ልምዓትን መንበሪን ገላን ጉራ ኣብ ውሽጡ እንታይ ዝሓዘ ኢዩ?
- ኣብ 1200 መንበሪ ኣባይቲ 6500 ነበርቲ ዝሓዘ መንበሪ መንደር ኢዩ።
- 1 ነጥቢ 6 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ መገዲ ኣስፋልት ኣለዎ።
- ልዕሊ 20 ኣውቶቡሳት ብሓደ ግዘ ከተኣተናድድ ዝኽእል ተርሚናል ኣለዎ።
- ኣብ ውሽጢ 2 ወርሒ ዝተሃነፁ ካብ ቅድመ ቀዳማይ ብርኪ ክሳብ ካልኣይ ብርኪ ዘለዉ ኣቢያተ ትምህርቲ ምስ ምገባ ማእኸል ዝሓዘ ኢዩ።
- ብ3 ፈረቓ ን270 እኖታት ዕድል ስራሕ ዝፈጠረ ፋብሪካ መሰንከቲ እንጀራ ኣለዎ።
- 500 ኣረጋዉያንን ዓቕመ ደካማታትን ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዘ ክምግብ ዝኽእል ማእኸል ምገባ ኣለዎ።
- ኣብ መዓልቲ 60 ሺሕ ባኒ ከፍሪ ዝኽእል ዓቕሚ ዘለዎ ፋብሪካ ባኒን መጥሓኒ እኽሊን ሒዙ ኢዩ።
- ደረጃኡ ዝሓለወ መፃወቲ ህፃናትን መፅንሒ ህፃናትን ኣለዎ።
- ክልተ መዘውተሪ ስፖርት ቦታታት ከምኡ እውን ሓምለዋይ ቦታታትን መዘናግዒታትን ተሃኒፆም ኢዮም።
- ን1 ሺሕን 646 ነበርቲ ቀዋሚን ግዜያዊን ዕድል ስራሕ ምፍጣር ተኻኢሉ ኢዩ።