መዛዘሚ መርሃ ግብሪ መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መዛዘሚ መርሃ ግብሪ መበል 19 መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።
ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ፥ እቲ በዓል ሎሚ ኣብ ዝኽረ ዓወት ዓድዋ ፓን ኣፍሪካኒዝም ኣዳራሽ “ሃገራዊ ምርድዳእ ንህብረብሄራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝደመቐ ኩነታት ኣኽቢርና ኢለን።
ኣብቲ በዓል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገርን ኣፈ ጉባኤ ኩለን ክልላትን ከምዝተረኸቡ ገሊፀን።
ናይ ኩሉ ኢትዮጵያ ሓበራዊ ገዛ፣ መዲና ኩሎም ኢትዮጵያዊያን፣ ዋና ከተማ ህብረት ኣፍሪካን መበል ሳልሰይቲ ማእኸል ዲፕሎማሲ ዓለም ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ መርኣያ ህብረ ብሄራዊ ሓድነትን ከምዝኾነት በዝምጥን ልክዕ እቲ በዓል ተኸቢሩ ኣሎ ኢለን።