Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ንፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ገፀር ልዑል ጠመተ ተዋሂቡ- ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ንፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ገፀር ልዑል ጠመተ ተዋሂቡ ክብሉ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ኣብ ትግበራ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ገፀር ዝተረኸቡ ዓወታትን ኣብ ቀፃሊ ዝህሊ ኣንፈታት ዝጠመተ እቶም ሚኒስትር ምስ ዳይሬክተር ቀጣናዊ ልምዓት ሃፍቲ ሰብ ባንኪ ዓለም ምዕራበን ማእኸላየን ኣፍሪካ  ትሪና ሃቄ ዘቲዮም።

ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)፥ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ገፀር ውሕስነት ምግቢ ማሕበረሰብ ኣብ ምርግጋፅ ብዙሓት ተግባራት ከምዝተፈፀመ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ገፀር ዝዓረቑ መሬታት ከባቢታት ኢትዮጵያ መሊስካ ብምልማዕ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ሓለዋ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ብምክያድ ማሕበረሰብ ገፀር ተረባሒ ይገብር ከምዘሎ ኣብሪሆም።

እቶም ሚኒስትር፥ ብብርኪ ሃገር ተግባራዊ ዝግበር ዘሎ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ንፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ገፀር ልዑል ጠመተ ተዋሂቡ ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.