ዝትግበር ዘሎ ኩለ መዳይ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኣብ ኢኮኖሚ ዲፕሎማሲ ምንቕቓሕ ፈጢሩ ኢዩ-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝትግበር ዘሎ ኩለ መዳይ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኣብ ኢኮኖሚ ዲፕሎማሲ ምንቕቓሕ ከምዝፈጠረ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።
ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ኣብ እዋናዊ፣ ከባቢያዊን ዓለም ለኻዊን ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ መብርሂ ሂቦም።
ኣብ መብርሂኦም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝትግበር ዘሎ ኩለ መዳይ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገበረ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ንኢኮኖሚ ዲፕሎማሲ ምንቕቓሕ ከምዝፈጠረ ገሊፆም።
ባንኪ መሰረተ ልምዓት ኢንቨስትመንት እስያ ኣብ ህንፀት ተሓዳሲ ሓይሊ፣ ነዚ ቀጠና ብመሰረተ ልምዓት ንምትእስሳር ኢትዮጵያ ዝቐረፀቶ ፕሮጀክት ንምድጋፍ ቁርፀኛ ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪ ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ምርግጋፆም ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ካብ ልዕሊ 9 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 20 ኩባኒያታት ኣብ ኢትዮጵያ ንምውፋር ዑደት ቅድመ ኢንቨስትመንት ምግባሮም ኣብሪሆም።
ኣብ ኢነርጂ መሰረተ-ልምዓት ፣ ግብርና፣ ማኑፋክቸሪንግ፣ ኢንፎርሜሽንን ኮሙኒኬሽንን ቴክኖሎጂ፣ ማዕድንን ቱሪዝምን ንምውፋር ባህጊ ከምዘርኣዩ እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም።