ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን መሪሕ ያታ ኣብ ምስራፅ ጠመተ ሂቡ ክሰርሕ ይግባእ-ኣይተ ኣደም ሃራህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን መሪሕ ያታ ኣብ ምስራፅ ጠመተ ሂቡ ክሰርሕ ይግባእ ክብሉ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
መርሃ ግብሪ መብሰሪን መጀመሪ ስራሕን ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ግራንድ ኤሊያና ሆቴል ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ፣ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ፣ ሚኒስትር ቱሪዝም ሰለማዊት ካሳ፣ ኣማኻሪ ሚኒስትር ማሕበራዊ ጉዳይ ቀዳማይ ሚኒስትር ዲያቆን ዳኒኤል ክብረት ተረኺቦም።
ብተወሳኺ ኣመራርሓ ሚዲያ፣ ሰራሕተኛታት፡ ተሓባበርቲ ኣሰናዳእቲ፣ መሻርኽቲ እቲ ሚዲያን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ኣይተ ኣደም ፋራህ፥ ሓዱሽ ግዙፍ ትካል ኢትዮጵያ ብምፍጣሩ እንቋዕ ደስ በለኩም ኡሎም።
ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን መትከል ነፃነት ሚዲያ መሰረት ብምግባር ንክውደብ ምስርሑን ምውዳቡን ገሊፆም።
በዝሒን ተበፃሕነትን ትካላት ሚዲያ ጠመተ ሂብካ ምስርሑ ብምግላፅ፥ ፋናን ዋልታን ኣብ ግልፅነትን ተሓታትነትን መንግስቲ ብስፍሓት ምስረሐን ኣዘኻኺሮም።
እቲ ወህደት ጠንካራ፣ ተወዳዳሪ፣ ሚዛናዊን ምዕቡል ቴክኖሎጂ ዝተዓጠቐን ሚዲያ ፈጢሩ ኢዩ ኢሎም።
ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን መሪሕ ያታ ናብ ማሕበረሰብ ኣብ ምስራፅ ጠመተ ሂቡ ክሰርሕ ይግባእ ኢሎም።
ብመላኩ ገድፍን ኣመለወርቅ ደምሰውን