ኢትዮጵያ ጊዜያዊ መረጋገፂ ደረጃ ምሕደራ ልምዓት ደኒ ረኺባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ምሕዳራ ደኒ ኢትዮጵያ ጊዜያዊ መረጋገፂ ደረጃ ምሕደራ ልምዓት ደኒ ምርካባ ዕላዊ ገይሩ፡፡
ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ዝተገበረ ስታንዳርድ ምሕደራ ደኒ ዓውዲ ልምዓት ደኒ ኢትዮጵያ ብምጥንኻር ንዕዳጋ ዓለም ዝቐርቡ ፍርያታት ልምዓት ደኒ ፅቶምን ተደላይነቶምን ዘዕቢ ኢዩ ተባሂሉ።
ብፍላይ ኣብ ስነ ምህዳር ፅዕንቶ ንምንካይ ከም ማይ፣ ካርበን፣ ብዝሃ ህይወትን መሰል ዓውዲታትን ንምሕላው ከምዝሕግዝ ተገሊፁ።
ኢትዮጵያ ኣብ ማእኸላይ እቶት ዘለወን ሃገራት ንምስላፍ ዘለዋ ትልሚ ጋህዲ ንምግባር ኣብ 2025 ዓ.ም 15 ሚሊየን ሄክታር ዝዓረቐ መሬት ብደኒ ንምሽፋን እናሰርሐት ከምትርከብ እውን ተሓቢሩ፡፡
ዋና ዳይሬክተር ልምዓት ደኒ ኢትዮጵያ ከበደ ይማም÷ ሽፋን ደኒ ኢትዮጵያ 23 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ብምግላፅ እቲ ደረጃ ምሕደራ ልምዓት ደኒ ዝተጠናኸረ ስርዓት ምሕደራ ብምዝርጋሕ ጨፍጫፍ ደኒ ንምጥፋእ ዘኽእል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።