ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝተፅሓፈ ደብደዳበ ኣምሲሎም ብምስንዳእ ናብ ወፃኢ ንልእኽ ኢና ብዝብል ዘጭበርብሩ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝተፅሓፈ ደብደዳበ ኣምሲሎም ብምስንዳእ ናብ ወፃኢ ንዕድል ስራሕ ንልእኽ ኢና ብዝብል ዜጋታ እናተታለሉ ከምዝኾኑ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ፡፡
እቲ ሚኒስቴር ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፆ÷ ኣርማን ማሕተምን እቲ ሚኒስቴር ብምስሳል ናይ ሕሶት ደብዳበታት ተሰናዲኦም ኢዮም።
በዚ ድማ እቲ ሚኒስቴር ኣፍልጦ ከምዝሃቦም ብምምሳል ንዜጋታት ኣብ ምጭብርባር ተግባር ምውፋሮም ከምዘረጋገፀ በምሕባር፤ ሕብረተሰብ እቶም ውልቀሰባት ተግባር ምጭብርባር እናፈፀሙ ከምዝኾኑ ብምግንዛብ ጥንቃቐ ክገብር ከምዘለዎ ኣገንዚቡ።
በዚ መገዲ ብዝሰናድኡ ናይ ሕሶት ደብዳበታት ብዙሓት ዜታት እናተታለሉ ከምዝኾኑ እውን ገሊፁ፡፡
ብምዃኑ ድማ ዜጋታት መሰል ሓበሬታታት ካብ ዝምልከቶም ኣካል ብምርግጋፅ ካብ ዘይተደለየ ጥፍኣት ንባዕሎም ንኽሕልዉ ፀዊዑ፡፡
እቲ ተገባር ንዝፍፅሙ ብሕጊ ተሓተትቲ ንምግባር ኣድላዪ ክትትል እናተገበረ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።