ልዕሊ 263 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎም ናውቲታት ሕክምና ተወዚዖም- ዶ/ር መቅደስ ዳባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀዳማይ ርባዕ ዓመት ልዕሊ 263 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎም ናውቲታት ሕክምና ተወዚዖም ክብላ ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ገሊፀን።
መበል ሻውዓይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ተሳሊጡ።
ኣብ ኢትዮጵያ እውን ተቓላዓይነት ዝውስኻ 222 ወረዳታት ከምዝተለለያ ሓቢረን።
ብብርኪ ዓለም ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ክሌማዊ ለውጢ መህላዊ ስዒቡ ቁፅሪ ተቓላዓይነት ሕማም ዓሶ ከምዝወሰኸ ሓቢረን።
ምስ ኣጋርን ዓለም ለኸ ትካላትን ብምኻን ኣብ ኢትዮጵያ ዓቕሚ ላቦራቶሪ ብምህናፅ ኣብቲ ዓውዲ ምርመር ይግበር ከምዘሎ ኣብሪሀን።
ኣብ ቀዳማይ ርባዕ ዓመት 2017 ዓ.ም ልዕሊ 8 ሚሊየን መድሓኒታት ፀረ ሕማም ዓሶ ንሕሙማት ናይ ምብፃሕ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ተዛሪበን።
ልዕሊ 263 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎም ናውቲታት ሕክምና ከመዝተወዝዑ እውን ዶ/ር መቅደስ ዳባ ገሊፀን።
ብየሻምበል ምህረት