ኣህጉራዊ ኮንፍረንስ ሰላም ሪፎርምታት ዘምፅኡዎ ለውጢ ምርኣይ ተኻኢሉ ኢዩ – ኣይተ ብናልፍ ኣንዱኣለም
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ኮንፍረንስ ሰላም ሪፎርምታት ዘምፅኡዎ ጭቡጥ ለውጢ ምርኣይ ዝትኽኣለሉ ዕዉት መድረኽ ከምዝኾነ ሚኒስትር ሰላም ብናልፍ ኣንዱኣለም ገሊፆም፡፡
“ዝማዕበለትን ሰላማዊትን ኣፍሪካ ንህነፅ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ኮንፍረንስ ሰላም ኣፍሪካ ትማሊ ተዛዚሙ፡፡
ተሳተፍቲ እቲ ኮንፍረንስ ድማ ጎድና ጎድኒ እቲ ዘተ ኣብ ትካላት ፀፅታን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ተዘዋዊሮም ዑደት ገይሮም።
ብዛዕባ እቲ ጉባኤ ኣመልኪቶም ምስ ግዜኢ ፃንሒት ዝገበሩ ኣይተ ብናልፍ ኣንዱኣለም÷ ኣብቲ ጉባኤ ካብ ሚኒስትራት 22 ሃገራት፣ ተወከልቲን ዓለም ለኸ ትካላትን ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 400 ተሳተፍቲ ከምዝተረኸቡ ገሊፆም።
ኣብቲ መድረኽ ዘላቒ ሰላምን ምዕባለን ኣፍሪካ ንምርግጋፅ ዘኽእል ሰፊሕ ዘተ ከምዝተገበረ እውን ተዛሪቦም።
ኣብ ጉዳይ ሰላምን ፀፅታን ከባቢ ዶብ ከምኡ እውን ዘሕጋዊ ምንቅስቓስ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኣብ ዝከኣለሉ ሰፊሕ ምኽክር ከምዝተገበረ ገሊፆም።