5ይ ጉባኤ ሸርፓስ ብሪክስ ኣብ ሩሲያ ተጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)5ይ ጉባኤ ሸርፓስ (ሶስ-ሸርፓስ) ብሪክስ ኣብ ሩሲያ ከተማ ኢካተሪንበርግ ተጀሚሩ።
እቲ ጉባኤ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2024 ብሩሲያ ኣቦ መንበርነት ዝተገበረ ናይ መወዳእታ ኣኼባ ንምግምጋም ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ሼርፓ ሩሲያን ኣቦ መንበር እቲ ጉባኤን ሰርጌ ራብኮቭ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2024 ተግባራት ብሪክስ ማለት እውን መግለፂ መራሕቲ ጉባኤ ካዛን”ሞዴል ብሪክስ ካንትሪ ፓርትነር”ን ሓዊሱ ንብሪክስ ምስፍሕፋሕ መገዲ ከምዝፀረገ ተዛሪቦም፡፡
ብሪክስ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ሞንጎ ሓደሽቲ ኣባል ሃገራት ዘሎ ውህደት እናተጠናኸረ ከምዝመፅአ እውን ኣብሪሆም፡፡
ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፉ ዝርከቡ ፍፈሉይ ኣማኻሪ ፖሊሲ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ምኒልክ ኣለሙ፤ ሩሲያ ኣብ ፕሬዚዳንትነት እዋና ንዘርአየቶ ፅቡቕ ኣመራርሓን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2024 ናብ ብሪክስ ዝተፀምበራ ሃገራት ብዘይፀግም ንኽፅምበራ ዘርአየቶ ቆራፅነትን ኣመስጊኖም።
ኣብ ሞንጎ ሃገራት ብሪክስ ኣብ ፖለቲካዊን ፀፅታን፣ ፋይናንስን ኢኮኖሚን፣ ምትእስሳር ህዝቢ መስ ህዝቢ ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ቆፅነት ኢትዮጵያ ከምዘፍለጡ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ የመላኽት።