ብቴሌ ብር ልዕሊ 3 ነጥቢ 25 ትሪሊየን ብር ዝውውር ተፈፂሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቴሌ ብር መተግበሪ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 3 ነጥቢ 25 ትሪሊየን ብር ዝውውር ከምዝተፈፀመ ኢትዮ ቴሌኮም ኣፍሊጡ፡፡
ዋና ፈፃት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ከምዝበለኦ÷ ቴሌ ብር ኣብ ኢትዮጵያ ልውውጥ ዲጂታል ገንዘብ ኣብ ምቅልጣፍ ልዑል ግደ እናተፃወተ ይርከብ፡፡
እቲ መተግበሪ ኩለመዳያዊ ኣገልግሎታት እናሃበ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ በዚ ብብዙሓት ዓማዊል ተመራፂ እናኾነ ምምፅኡ ተዛሪበን፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ዓማዊል ተጠቀምቲ ቴሌ ብር ቁጥር ልዕሊ 51 ነጥቢ 3 ሚሊየን ከምዝበፅሐ ብምምሕባር፤ እቲ መተግበሪ ኣብ ስራሕ ካብ ዝውዕል ጀሚሩ ልዕሊ 3 ነጥቢ 25 ትሪሊየን ብር ዝውውር ተፈፂሙ ኢለን።
ኢትዮ ቴሌኮም ዲጂታል ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ዝተጀመረ ፃዕሪ ኣብ ሸቶ ንምብፃሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን፡፡
ብመላኩ ገድፍ