ትካል ገባሪ ሰናይ ሰባት ንሰባት 64 ሽሕ ዶላር ዝዋግኦም ናውቲ ሕክምና ንሆስፒታላት ኣበርኪቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ካብ ትካል ገባሪ ሰናይ “መንሽን ፎር መንሽን” (ሰባት ንሰባት) ብሓገዝ ዝረኸቦም 64 ሽሕ ዶላር ዝዋግኦም ናውቲ ሕክምና ንሆስፒታላት ከምዘረከበ ገሊፁ።
እቶም ናውቲ ሕክምና÷ ሓደ ኤክስሬይ ማሽን ንሆስፒታል ለምለም ካርል ማይ ጨው፣ ኽልተ ማሽናት ላውንደሪ ድማ ንሆስፒታል ስሑል ሽረ ከምዘረከበ ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ኣየለ ተሾመ ገሊፆም።
እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ብኲናት ዝዓነዉ ትካላት ጥዕና ትግራይ ዳግም ንምምላእ ቐፀልቲ ፃዕርታት ከም ዝግበሩ ተዛሪቦም።
ዳይሬክተር ትካል ገባሪ ሰናይ “መንሽን ፎር መንሽን” ጨንፈር ኢትዮጵያ ኣይተ ይልማ ታየ÷ ቕድሚ ሕዚ ኣብተን ሆስፒታላት ዝተዓዘቡዎም ፀገማት ንምምላእ ዝገበርዎ ሓገዝ ከም ዝኾነን ገሊፆም፡፡
ትካሎም ኣብ ትግራይ ቤት ፅሕፈት ብምኽፋት ኣብ ስራሕቲ ሕርሻን ካልኦት ዓውድታትን እውን ተወሰኽቲ ስራሕቲ ከም ዝሰርሕ ኣብሪሆም።
ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ ብግደኦም÷ ዝተገበረ ሓገዝ ንዘለዉ ፀገማት ጥዕና ሕብረተ ሰብ ዝፈትሑ ከም ዝኾኑ ገሊፆም።