Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) እዚ ዘበን ኢትዮጵያ መሊሳ እትብርኸሉ ንክኸውን ብሓባር ንላዓል ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ቀዳማይ ሚኒስትር  ፌዴሪኢን ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) እዚ ዘበን ኢትዮጵያ መሊሳ እትብርኸሉ ንክኸውን ብሓባር ንላዓል ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መበል ሓምሻይ ዓመት ምስረታ በዓል ፓርቲ ብልፅግና ኣመፅኪቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም፥ “ለውጢን ፍረታት ለውጢን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም፥ ናይዚ ለውጢ መሪሕን ውፅኢትን ናይ ዝኾነ ፓርቲ በልፅግና መበል ሓምሻይ ዓመቱ እንትነኽበር  ዝሓለፉ ዓወታት ቆፂርናን ኣማዕቢልናን ብምቕፃል፣ ፈተናታትና ብምውፃእን ስሕተታትና ብምእራምን ክኸውን ኢዩ ኢሎም።

ናይቲ ለውጢ ቃልሲ፣ ስራሕን ውፅኢትን እዚ ለውጢ ለዕሊ ሓደ ፓርቲ ኢዩ ብምባል፥ ረብሕኡ እወን ሃገራዊን ንኹሉ ዓይነት ማሕበረሰብ ከምዝኾነን ኣገንዚቦም።

በቲ ለውጢ ዝተረኸቡ ፍረታት ናይቲ ጅማሮ ቅኑዓት ኣመላኸትትቲ ከምዝኾኑ አወነ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ ፓርቲ፣ ኣመራርሓን ኣባላትን ተነሓናሕቲ ፓርቲታት፣ መልላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ እቲ ለውጢ ሰኺኑን መሰረት ሒዙን፣ እዚ ዘበን ኢትዮጵያ መሊሳ እትብርኸሉ ንክኸውን ብሓባር ንክንለዓልን ክንቃለስን በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒተይ አቕርብ ኢሎም።

ብፀቕጢ ህዝብን ፓርቲን ዝመፅአ ሃገራዊ ለውጢ ፈላማይ መዕራፉ ይሳገር ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።

ኣብዚ ቀዳማይ ምዕራፍ ናይቲ ለውጢ ሓሳባት ብቃልን ተግባርን ከምዝተገለፁ ብምግላፅ፥ ናይዚ ለውጢ ፈተናታት እውን ኣካል ረኺቦም ብዝግባእ ብምቕላዕ ህዝቢ ፈሊጡ ነክቃለሶም ከምዝተገበረ ኣገንዚቦም።

እዚ ድማ ናይቲ ለውጢ ፍረታት ንምብዛሕ፣ ናይቲ ለውጢ ፈተናታት ንምምብርካኽ ዕድል ከምዝፈጠረ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓማውቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘበናዊ ናይ ፖለቲካ ታሪክ እንትሓቱ ዝነበሩ ሕቶታት ካብ ቃል ዘሊሎም ተግባራዊ ምላሽ ከምዝረኸቡ ኣብሪሆም።

ናይ ፖሊሲ፣ ሕግን ኣሰራርሓን ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ባህሊ ለውጢ ኣምፂእና ኢና ብምባል፥ እቲ ለውጢ ዝሓለፉ ናይዛ ሃገር ስብራታት ዝፅግን፣ ሎሚ ንዘሎ ኩነታት ዝምጥንን ናይ ፅባሕ ጉዕዞ ኢትዮጵያ ዘመዓራሪን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ናይዚ ዘበን ለውጢ መራሒ ፓርቲ ዝኾነ ብልፅግና መበል ሓምሻይ ዓመቱ ኣብ ዘኽብረሉ እዋን፥ ናይ ብልፅግና ምምስራት፣ ኣብ ዘበናዊ ታሪክ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ናይ ፓርቲታት ፖለቲካ ታሪክ ምዃኑ ዘረጋገፀ ከምዘኾነ ኣብ መልእኽቶም ሓቢሮም።

እቶም ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ንቕሓት ፖለቲካ ንክፍጠር ከምዝገበሩ ብምግላፅ፥ ኣወዳድባ ፖለቲካ ከምዘምፀአን ስልቲታት ቃልሲ ፖለቲካ ከምዘፋለጠን ሓቢሮም።

ብኻሊእ መዳይ ድማ ዕጥቃዊ ቃልሲን ፖለቲካዊ ቃልሲን ንክተሓዋወስ፣ ናይ ፅልኣት ፖለቲካ ንክነግስ፣ ብብሄር፣ ርእዮተ ኣለምን ብልቲ ቃልሲን ምፍርራጅ ንክምዕብል ብምግባር ንዘበናዊከይዲ ጉዕዞ ፖለቲካና ብድሆታት ኣንቢሩ ኢዩ ኢሎም።

ፓርቲ ብልፅግና ነባራት ኣተሓሳስባታት ፖለቲካ ብስብራታት ፖለቲካ ብዝፅግንን መገዲ ከምዝተመስረተ ሓቢሮም።

እዚ ድማ ናይቲ ለውጢ ሓደ ፍረ ከምኾነ ገሊፆም።

ናይ ብልፅግና ምምስራት ናይ ወሰንን ማእኸልን፣ ዋናን ኣጋርን፣ ሰበኽ ሳግምን ሓረስታይን፣ ገስጋሲን መድሓርሓሪን፣  ፀላእን ፈታዊን ወዘተ ዝበሃሉ መንደቓት ብምፍራስ ኣብ ሓሳብ ጥራሕ ዝተመስረተ ናይ ፖለቲካ ኣወዳድባ ከምዝተፈጠረ ገሊፆም።

ኣፈላላይ ሓሳብ ከም መልክዕን ክብሪን ብምውሳድ ተነሓናሕቲ ብፀላእነት ኣይፍርጅን፤ ኣብ ኢትዮጵያ ክብሪ ብምምስራት፣ ካብ ካልኦት ሓሳባት ብምምሃር ይጓዓዝ እንበር ናይ ርእዮተ ኣለም እሱር ኣይኮነን ኢሎም።

ንሓደ ከባቢ ወይ ብሄር  ኢሉ ዝተሰለፈ እንተይኮነስ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ዘለዎ ናይ ሓሳብ ፓርቲ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዚ ድማ ፖለቲካዊ መልክኣ መድሪ ኢትዮጵያ ዝቐየረ ናይ ለውጢ ፍረ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ትካላት እምነት፥ ናይ ልዕልነት፣ ፅግዕተኝነት መንግስቲን ፈተና ህልውናን ከምዝነበረን እውን ኣብቲ መልእኽቶም ሓቢሮም።

ይኹን እንበር ድሕሪ ለውጢ መንግስቲ ኣብተን ትካላት ዝግበር ዝነበረ ፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነት ደው ብምባል፥ ልዕልነት ትካላት እምነት ከምዝተኸበረ ተዛሪቦም።

ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት አስልምና ኢትዮጵያን ዝነበረ ኣፈላላይ ብምውጋድ ሓድነት ከምዝተፈጠረ ገሊፆም።

ናይ ሲቪክ ትካላት ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ህይወት ሓንቲ ሃገር ንክሳለጥ ወሳኒ ግደ ከምዘለወን ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብዘን ትካላት ዝነበረ ዝተጋገየ ኣረኣእያ ብምምዕርራይ፣ ዘየስርሕ ሕገን ብምልዋጥ ተመሓይሹ ኢዩ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ቅድሚ ለውጢ 1900 ጥራሕ ዝነበረ ሲቪክ ትካላት ድሕሪ ለውጢ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ጥራሕ 3300 ሓደሽቲ ማሕበራት ሲቪክ ከምዝተመዝገባ ኣብሪሆም።

ትካላት ዴሞክራሲ በዝምልከት እውን ኣድላይነተንን ንሃገር ዘለወን ረብሓን ብምግንዛብ፥ ድሕሪ ለውጢ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል፣ ትካል ሓባሲ ንብዓትን በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽን ከምብሓዱሽ ነክውደባ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

እተን ትካላት፥ ነፃ፣ ገለልተኛን ተኣማኒን ንክኾና ዘኽእል ናይ ሕጊ ናይ ኣወዳድባ ለውጢታት ከምዝተገበሩ ኣብሪሆም።

ካብ ፅዕንቶ መንግስቲን ኢድ ኣእታውነትን ወፃኢ ብሕጊን ሕሊነአንን ጥራሕ ንክሰርሓ ዘኽእል ኣካይዳ ከምዝተፈጠረ አወን ገሊፆም።

ምዕባለን ነፃነትን ሚዲያ እውን እንተኾነ፥ እቲ ለውጢ ነፃነት ሚዲያ ንክኽበር፣ ሚዲያታት ብሕጊ ጥራሕ ንክሰርሓን ንክመሓደራን፣ ናይ ኩሎም ዓይነታት ማሕበረሰብ መኣዲታት ሓሳብ ንክኾና ከምዝገበረ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ቅድሚ ለውጢ ቁፅረን 122 ዝነበረ ድሕሪ ለውጢ  272 ከምዝበፅሐ ኣረዲኦም።

ናይ ቴሌቭዥን ጣቢያታት ካብ 25 ናብ 78፣  ሬዲዮ ካብ  52 ናብ 73 ከመዝዓበያ ኣብሪሆም።

ተበፃሕነት ቋንቋ መራኸብቲ ሓፋሽ እውን፥ ቅድሚ ለውጢ ብ39 ቋንቋታት ዝወሃብ ዝነበረ ኣገልግሎት ድሕሪ ለውጢ ናብ 60 ቋንቋታት ክብ ክብል ከምዝኸኣለ ገሊፆም።

ኢትዮጵያን ምዝማን ብዝምልከት፥ ኣብ ዘበነ ለውጢ ደሕረት ብምቕራፍ ኢትዮጵያ ንምዝማን ብዙሓት ስራሕቲ ብምስራሕ ርኡይ ለውጢ ከምዝመፅአ ኣምፂኡ ኢሎም።

ኣብ ስራሕቲ ግብርና እውን እንተኾነ እዋን ዝናብ ጥራሕ ተፀቢኻ ዝስራሕ ዝነበረ ስራሕቲ ግብርና መስኖ ብምጥቃም፣ ብኩታ ገጠም ሕርሻን መሬት ፆሙ ከይሓድር ብዝተሰርሐ ስራሕ ሙሉእ ዓመት ፍሪያት ዝሕፈሰሉ ባህሊ ንክመፅእ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ፍሪያታት ስርናይ፣ ሩዝ፣ ስገም፣ ዕፉንን ፍራምረን ጠመተ ብምግባር ብዝተሰርሐ ስራሕ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ናይ ስርናይ መፍረይት ሃገር ክትከውን ከምዘኽኣላ ገሊፆም።

ከም ሃገር ስርናይ ካብ ወፃኢ ምምፃእ ደው ከምዘበለት እውን ሓቢሮም።

ብዓውዲ ኣትክልትን ፍራ ምረን አወን ሰደድ ዝግበር መጠን ከምዝወሰኸ ኣብሪሆም።

ኣብ ፍሪያት ስጋ ደርሆ ካብ ዝነበሮ 70 ሺሕ ቶን ናብ 208 ሺሕ ቶን፤  ፍሪያት ፃባ ካብ 7.2 ቢሊየን ሊትር ናብ 10. ቢሊዮን ሊትር ፣ ፍሪያት መዓር ካብ 129 ሺሕ ቶን  ናብ 272 ሺሕ ቶን ክብ ምባል ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።

ካብ ምምንማን ሓሊፉ ኣብ ምጥፋእ ዝነበረ ሓምለዋይ ልባስ ኢትዮጵያ ይምለስ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓማውቲ 40 ቢሊዮን ዝተፈላለዩ ኢኮኖሚያዊ ረብሓታት ዘለዎም ፈልሲታት ብምትካል ለውጢ ምምፃእ ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።

መንግስቲ ኣብ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ፣ ዲጂታል ኢትዮጵያን ካልኦት ቴክኖሎጂታትን ዝገብሮ ምርምርን ዝገብሮ ኢንቨስትመንትን እናወሰኸ ምምፅኡ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ኣብ መልእኽቶም፥ ኣብ በዝሒ ዲጂታል ኣካውንት ካብ ዝነበሮ 52.1 ሚሊየን ናብ 205.4 ሚሊየን ክበፅሕ ተገይሩ ኢዩ ኢሎም።

ብዘመናዊ ብልሓት ክፍሊት ዝተሓላለፈ መጠን ገንዘብ ድማ 9.6 ትሪሊዮን ብር ከምዝኾነን እዚ ድማ ልዑል ውፅኢት ምዃኑን ገሊፆም።

ብፕሮጀክትታት መኣዲ ንሸገር፣ መኣዲ ንሃገር፣  መኣዲ ንትውልዲ ኣቢልካ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ዘሎ ነባር ዓቕሚ ብምጉላህ ተወሳኺ እዮትን ዕድል ስራሕን ንምፍጣር ዘኽእሉ ገዘፍቲ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ገሊፆም።

ቅድሚ ለውጢ ደውታ ኣርእዩ ዝነበረ ዓብዪ ግድድ ህዳሰ ንምዝዛም ብዝተገበረ ርብርብ እውን ስራሕቲ እቲ ግድብ ልዕሊ 97.6 ፐርሰንት ከምዝበፅሐ ሓቢሮም።

እቲ ግድብ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣርባዕተ ተርባይናት ብድምሩ 1443 ሜ.ዋ ሓይሊ ንከፈልፍሉ ከምዝተገበረ ብምግላፅ፥ ጉዕዞ ብልፅግና ብዝኾነ ይኹን ኩነታት ደው ከምዘይብል መርኣዪ ኢዩ ኢሎም።

እቲም ቀዳማይ ሚኒስትር ንኣባላትን ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና፣ ኣባላትን ኣመራርሓ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት፣ መልላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ለውጢ ሰኺኑን ሱር ሰሪቱን ብምሓዝ፣ እዚ ዘበን ኢትዮጵያ መሊሳ እትብርኸሉ ንክኸውን ብሓባር ክንላዓልን ክንቃለሰን እፅውዕ ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.