ክልል ኦሮሚያ ጉጅለታት ግብረ ራዕዲን ፅንፈኛን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዝፍፅምዎ ጭካነ ዝተመልኦ ተግባር ኣውጊዙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ጉጅለታት ግብረ ራዕዲን ፅንፈኛን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዝፍፅምዎ ጭካነ ዝተመልኦ ተግባር ኣውጊዙ።
ሓላፊ ቢሮ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ኣይተ ሃይሉ ኣዱኛ ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ጠሚቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ደራ በቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ዝተፈፀመ ዘሰቅቕ መቕተልቲ ዝውገዝ ተግባር ኢዩ ኢሎም።
ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔን ፅንፈኛ ጉጅለን ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ይዛረቡ እንበር ተመሳሰልቲ ኢዮም ብምባል፥ እቶም ጉጅለታት ኣብ መንጎ ህዝቢ ጥርጣረ ንክፍጠር ዝውገዙ ተግባራት ይፍፅሙ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።
ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ብዝፍፅሞ ተግባር ድሕንነት ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ንክወድቕን ልምዓት ንክተዓናቐፍን ይገብር ከምዘሎ ኣብሪሆም።
ንባዕሉ “ፋኖ” ብምባል ዝፅውዕ ፅንፈኛ ጉጅለ ክልላት ኦሮሞን ኣምሓራን ኣብ ዝዋሰኑሎም ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ጉድኣት የብፅሕ ከምዘሎ ገሊፆም።
ስለዝኾነ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ጉጅለታት ግብረ ራዕዲን ፅንፈኛን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዝፍፅምዎ ጭካነ ዝተመልኦ ተግባር ከምዘውግዝ ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
ድሕንነት ዜጋታት ንምሕላው ዓሊሙ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ይወስድ ከምዘሎ ሓቢሮም።