ኢትዮጵያን እንግሊዝን ቀጣናዊ ሰላም ኣብ ምርግጋፅ ብሓባር ምስረሐን ከምዝቕፅላ ገሊፀን
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያን እንግሊዝን ቀጣናዊ ሰላም ኣብ ምርግጋፅ ብሓባር ምስረሐን ከምዝቕፅላ ገሊፀን።
ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ፍልይቲ ልኡኽ እንግሊዝ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕሪን ኣምባሳደር ኣሊሰን ብላክበርን ዘቲዮም።
ኣምባሳደር ምስጋኑ፥ ስትራቴጂካዊ ረብሓ ቀርኒ ኣፍሪካን ኢትዮጵያ ነቲ ቀጣና ሰላምን ምርግጋዕን ዘለዋ ግደን በዝምልከት ኣብሪሆም።
ኣብቲ ቀጣና ዝረአዩ ፈተናታት መፍትሒ ሽርክናን ምትሕብባርን እንግሊዝ ኣድላዪ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ኣምባሳደር ኣሊሰን ብላክበርን ብግደአን፥ ኢትዮጵያ ኣብ ምርግግዕን ሰላምን ቀርኒ ኣፍሪካ እትገብሮ ዘላ ኣስተዋፅኦ ንኢደን።