መንሽሮ ኣፍደገ ማህፀን ኣብ ኢትዮጵያ ንሞት ብምቅላዕ ካብ መንሽሮ ጡብ ቀፂሉ ዝስራዕ ኢዩ-ዶ/ር መቅደስ ዳባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መንሽሮ ኣፍደገ ማህፀን ኣብ ኢትዮጵያ ንሞት ብምቅላዕ ካብ መንሽሮ ጡብ ቀፂሉ ዝስራዕ ኢዩ ክብላ ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ገሊፀን።
እተን ሚኒስትር ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ሸገር ኣብ ዘሎ ሓደ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብምርከብ ሃገራዊ ወፍሪ ክታበት ኣፍደገ ማህፀን ደቂ ኣኒስቲዮ ኣጀሚረን።
ኣብዚ ሐዚ እዋን በቢዓመቱ ለዕሊ 8 ሺሕ ደቂ ኣኒስቲዮ ንመንሽሮ ኣፍደገ ማህፀን ከምዝቃልዓ ተዛሪበን።
ብ5 ኣሽሓት ዝቑፀራ ድማ በቲ ሕማም ህይወተን ከምዝስእና ብምግላፅ፥ መንሽሮ ኣፍደገ ማህፀን ኣብ ኢትዮጵያ ንሞት ብምቅላዕ ካብ መንሽሮ ጡብ ቀፂሉ ዝስራዕ ኢዩ ኢለን።
ስለዝኾነ ዕድሚአን ካብ 9 ክሳብ 14 ዝኾና ደቂ ኣኒስቲዮ ካብ ሎሚ ጀሚረን ክሳብ 13 ሕዳር 2017 ዓ.ም እቲ ክታበት ከምዝወሃብ ተዛሪበን።
ብመሳፍንት እያዩ