ባይደን ኣብ ልዕሊ ሩሲያ መጥቃዕቲ ንኽፍፀም ፍቓድ እንትህቡ ኢድና ኣፂፍና ኣይቕመጥን – ቭላድሚር ፑቲን
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ዩክሬን ካብ ኣሜሪካ ዝተውሃባ ናይ ነዊሕ ርሕቐት ተወንጨፍቲ ሚሳኤላት ንሩሲያ ንምውቃዕ ከምትጥቀመሉ ፍቓድ ሂቦም ኣለዉ።
ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ምላሽ ዝሃቡ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን÷ ሞስኮ ግቡእ ምላሽ ከምትህብ ኣጠንቂቖም።
ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ማሪያ ዛካሮቫ÷ ፕሬዚዳንት ፑቲን ቅድሚ ኣዋርሕ ሓይሊታት ወፃኢ ንዩክሬን ዘቕረቡዎም ናይ ነዊሕ ርሕቐት ሚሳኤላት ኣብ ረብሓ ንኽውዕሉ ፍቓድ ክህቡ ከምዝኽእሉ እምነቶም ገሊፆም ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።
ኒውዮርክ ታይምስ ብሽም ዘይፀርሖም ሰብ መዚ ኣሜሪካ ፍልፍል ብምግባር ኣብ ዝሰርሖ ፀብፃብ፤ ፕሬዚዳንት ባይደን ዩክሬን በቶም ሚሳኤላት ኣብ ግዝኣት ሩሲያ ንኽትወቅዕ ፍቓድ ምሃም ዝገልፅ ሓበሬታ ምውፅኡ ስዒቡ ፕሬዚዳንት ፑቲን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ርኢቶ ከምዝሃቡ ተገሊፁ።
ንዩክሬን ፍቓድ ምሃብ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ መጥዕቲ ንምፍፃም ሓገዝ ወፃኢ ሓይሊታት እንተዘይተወሲኹዎ ዩክሬን ኣብ ልዕሊ ሩሲያ መጥቃዕቲ ክትፍኑ ከምዘይትኽእል ተዛሪቦም።
እተን ኣቐባሊት ቃል ፕሬዚዳን ፑቲን ሂቦምዎ ኣብ ዝበለኦ ምላሽ፥ እቲ ዝዓበየ ሕቶ ዩክሬን ብዝተውሃባ መሳርሒ ንሩሲያ ክትወቅዕ ምፍቃዱ ዘይኮነስ ኣባል ሃገራት ኔቶ ኣብዚ ኲናት ብቐጥታ ንኽሳተፋ ወይ እውን ከይሳተፋ ምውሳን ምዃኑ ገሊፀን፡፡
ፑቲን ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ውሳነ እንድሕር ተዋሂቡ ሞስኮ ግቡእ ምላሿ ክትህብ ኢያ ክብሉ ገሊፆም፡፡