ሩሲያ ኣብ ጣያታት መፈልፈሊ ሓይሊ ዩክሬን ደብዳብ ኣየር ፈፂማ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኲናት ዩክሬን-ሩሲያ ብዕሊ ካብ ዝጅምር ንደሓር ዝለዓለ ዝተብሃለ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን መፈልፈሊ ሓይሊ ዩክሬን ዒላማ ብምግባር መጥቃዕቲ ደብዳብ ኣየር ከምዝፈፀመት ተገሊፁ፡፡
በዚ ድማ ሩሲያ 120 ሚሳኤላት ከምኡ እውን 90 ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናት (ድሮናት) ብምጥቃም ኣብ ኩለን ግዝኣታት ዩክሬን መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመት ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ቮሎድሚር ዘሌንስኪ ኣፍሊጦም፡፡
እቶም ፕሬዚዳንት ሞስኮ ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓታት መፈልፈሊ ሓይሊ ዒላማ ብምግባ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀት ገሊፆም፡፡
ብምዃኑ ድማ ኣብ ብዙሓ ከባቢታት ዩክሬን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝተቛረፀ ዕላዊ ገይሮም፡፡
ብኻእ መዳይ ዘሌንስኪ መከላኸሊ ኣየር ሃገሮም 140 ዝኾኑ ዒላማታት ከምዘምነ ምግላፆም ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡