በዓል ሕዳር ፅዮን ምኽኒያት ብምግባር መስሕባት ቱሪስት ናይ ምፍላጥ ስራሕ ክካየድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ሕዳር ፅዮን ምኽኒያት ብምግባር መስሕባት ቱሪስት ከተማ ኣክሱምን ከባቢኡን ናይ ምፍላጥ ስራሕ ከምዝካየድ ተገሊፁ።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ባህሊን ቱሪዝምን እታ ከተማ ኣይተ ገብረመድህን ፍፁምብርሃን፥ 21 ሕዳር ዝኽበር ንግሰ በዓል ፅዮን ማሪያም ምኽኒያት ብምግባር ኣብታ ከተማን ከባቢኣን ዘለዉ ጥንታዊ ቅርስታት ዝርከቡሎም ስፍራታት ናይ ምፅራይ፣ ምውቃብን ምፍላጥን ስራሕ ክስራሕ ኢዩ ኢሎም።
ኣብቲ በዓል ብዙሓት ኣጋይሽ ከምዝርከቡ ብምግላፅ፥ እቲ ኣጋጣሚ ንልምዓት ቱሪዝም በምውዓል ተወሳኺ ፍልፍል እቶት ንምርካብ ጠመተ ሂብካ ክስራሕ ኢዩ ኢሎም።
ናይቲ ከተማ ምንቅስቓስ ንግዲ ንምንቕቓሕ ዓሊሙ ባዛርን ኤግዚብሽንን ከምዝዳሎ ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።