ናይ ኤሌክትሪክ መካይን ንምግጥጣም ዘኽእል ስምምዕነት ተኸቲሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ኤሌክትሪክ መካይን ንምግጥጣምን ኣብ ጉዳያት ቴክኒክ ሓቢርካ ንምስራሕን ዝዓለመ ሰነድ ስምምዕነት ተኸቲሙ።
ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት፥ ኢትዮ-ኢንጂነሪንግ ግሩፕ፣ ኤስ ጂ ኣውቶሞቲቭ ግሩፕን ሚስተር ሉታ ኢንቨስትመንት ግሩፕን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።
ብሓይሊ ኤሌከትሪክ ዝንቀሳቐሳ ተሽከርከርቲ ንምስፋሕን ኣብ ተበፃሕነት ቀረብ ሓይሊ ሓቢርካ ንምስራሕን ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።
ኣብቲ ስምምዕነት፥ ህንፀት ቻርጅ መግበሪ እውን ከምዝተኻተተ ተሓቢሩ።