ኣብ ዞባታት ምብራቐ ወለጋ ሰላማዊ ሰልፊታት ተኻይዶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ነበርቲ ዝተፈላለያ ወረዳታት ዞባ ምብራቕ ወለጋ ሰላም ንምፅናዕ ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊታት ኣካይዶም።
ኣብቶም ህዝባዊ ሰልፊታት ኣባ ገዳታት፣ ሃደ ሲንቄታት፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ዝተሳተፉ እንትኾኑ፤ “ሰላም ንምፅናዕ ግደና ክንዋፃእ ኢና፣ ብምኽንያት ስእነት ሰላም ስቓይ ህዝቢ ጠጠው ክብል ይግባእ፣ ናብ ሰላም ምምላስ ምስልጣን ኢዩ” ዝብሉን ካልኦትን መልእኽቲታት ተጋዊሖም።
ትማሊ ኣብ ዞባታት ምዕራብ ሸዋ፣ ምብራቕ ሸዋ፣ ቄለም ወለጋን ኣርሲን ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎ ሰልፊ ከምዝተኻየደ ይዝከር።
ብገላና ተስፋ