ካብ ክልል ጋምቤላ ልዕሊ 900 ኪሎ ግራም ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ኣታዊ ተገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ካብ ክልል ጋምቤላ ጥራሕ ልዕሊ 900 ኪሎ ግራም ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ኣታዊ ተገይሩ፡፡
እቲ ክልል ኣብ ሩብዒ ዓመት 325 ኪሎግራም ወርቂ ኣታዊ ንምግባር ዝሃቀነ ይኹን እምበር ልዕሊ 900 ኪሎ ግራም ወርቂ ኣታዊ ብምግባር ልዕሊ ትልሙ ከዕውት ከምዝኸኣለ ተሓቢሩ፡፡
መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ስዒቡ ብኮንትሮባንድ ይወፅእ ዝነበረ ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ክኣቱ ዕድል ብምፍጣሩ እዚ ኣፈላላይ ክመፅእ ክዝኸኣለ ምክትል ዳይሬክተር ኤጀንሲ መዓድን ኤሊያስ ገዳሙ ተዛሪቦም።
ብኣብዱ ሙሓመድ