ብራዚል ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክብ ንምባል ከምእትደሊ ገሊፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብራዚል ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክብ ንምባል ከምእትደሊ ገሊፃ።
ፕሬዚዳንት ብራዚል ሉላ ዳሲልቫ፥ ከልቲአን ሃገራት ዘለወን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ከምዝሰርሑ ገሊፆም።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ብራዚል ልዑልሰገድ ታደሰ ደብዳበ ሹመቶም ንፕሬዚዳነት እታ ሃገር ኣረኪቦም።
ኢትዮጵያ ምስ ብራዚል ብምዃን፥ ኣብ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት፣ ንግዲ፣ ቱሪዝምን ግብርናን ዘለዋ ዝፀንሐ ርክብ ምጥንኻርን ከልቲኣዊ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ምብፃሕን ከምእትደሊ እቶም ኣምባሳደር ተዛሪቦም።
ፕሬዚዳንት ሉላ ዳ ሲልቫ ብግደኦም፥ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ኣብ ዝገበርሉ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንዝገበሩሎም ኣቀባብላ አመስጊኖም።
ከልቲአን ሃገራት ዘለወን ኩለ መዳይ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ በፍላይ ኣብ ዓውዲ ግብርናን ኢኮኖሚን ናብ ዝለዓለ በርኪ ንምብፃሕ ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም።