ውዕሊ ተፈሙዎም ሰብ ዘይኣተዎም ንበዓል ዕጫ ዝተመሓላለፉ መንበሪን ናይ ንግዲን ኣባይቲ ፍፃመኦም …
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ዓመታት ብ20/80፣ 40/60ን ብጨረታን ንመንበሪን ንንግዲን ዝተመሓላሊፎም ውዕሊ ይፈፀም እምበር ክሳብ ሐዚ ዕድለኛታት ዘይኣተዉዎም ምህላዎም “ንዘይሕጋዊ ተግባር” እናወዓሉ ከምዝኾኑ ይግለፅ፡፡
ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት “ጉዳይ ብዕጫን ብጨረታን ተመሓላሊፎም ውዕሊ ዝተፈፀመሎምን ነባሪ ዘይኣተወሎም ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ምንታይ በፅሐ?” ክብል ንኮርፖሬሽን ልምዓት ኣባይቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓቲቱ።
ዋላኳ ዕድለኛታት ብዕጫ ይኹን ብጨረታ ናይ መንበሪን ንግዲን ኣባይቲ በፂሑዎም ውዕሊ ይፈፀሙ እምበር÷ ኣብ ሓደ ሓደ ሳይታት መሰረተ-ልምዓት ብዘይምምልኡ ምኽንያት ንምእታው ከምዝፅገሙ ምሕባሮም፣ ከምዝተብሃለ ፀገም መሰረተ-ልምዓት እንድሕር ሃሊዩ እናተውሃበ ዘሎ ግዘ ጊዜያዊን ዘላቒ መፍትሒን ከምኡአ ውን ናብ ገዛ ክኣትዉ ዘይደለዩ ወገናት መወዳእተኦም እንታይ ክኸውን ይኽእል ዝብሉ ሕቶታት ነቲ ኮርፖሬሽን ኣልዒልና።
ዋና ዳይሬክተር እቲ ኮርፖሬሽን ሽመልስ ታምራት ኣብ ዝሃዎ ምላሽ÷ ብዕጫን ብጨረታን ናይ መንበሪን ንግዲን ገዛ ወፂሎም ውዕሊ ዝፈፀሙን ሰባት ናብ ገዝኦም ንኸኣትዉ ክልተ ግዘ ፃውዒት ተገይሩሎም ምልክታ ከምዝወፅአ ኣዛኺሮም።
ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ዝተፈለለዩ ሳይታት ሰባት ክኣትዉ ከምዝጀመሩን ውዕሊ ተፈፁሙሎም ክፍቲ ዝኾኑ ኣባይቲ ከምዘለዉን ኣብሪሆም፡፡
“ሰባት ኣብ ዘይኣተዉሎም መንበሪ ኣባይቲን ናይ ንግዲ ገዛውቲን ዘይሕጋዊ ተግባር ይፍፀም ኣሎ” ዝብል ሓበሬታ ከምዝበፅሖም ብምግላፅ፤ እዚ ዝኸውን ግን ሰባት ውዕሊ ፈፂሞም ኣብ ዘይኣተዉዎም ስለዝኾነ እቲ ፀገም ንምትራፍ እቶም ሰብ ገዛ ናይ ግድን ክኣትዉዎ ኣለዎም ኢሎም፡፡
መሰረተ-ልምዓት ምስ ዘይምምላእ ተተሓሒዙ ዝለዓሉ ሕቶታት ግቡኣት ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ሳይታት መደረተ-ልምዓት ተማሊኡ ነበርቲ ከምዝኣተዉን ኣብ ዘይተማለአሎም ድማ ግዜያዊን ዘላቒን መፍትሒታት እናተውሃበ ከምዝኾነን ኣረጋጊፆም፡፡
ብዮሃንስ ደርበው