ብፍራንኮ ቫሉታ ይኣትዉ ዝነበሩ መሰረታዊ ጠለባት ሸቐጣት ብስሩዕ መተኣማመኒ ሰነድ ንግዲ ባንኪታት ንኸኣትዉ ተወሲኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብፍራንኮ ቫሉታ ይኣትዉ ዝነበሩ መሰረታዊ ጠለባት ሸቐጣት ብስሩዕ መተኣማመኒ ሰነድ ንግዲ ባንኪታት (ኤል ሲ) ኣቢሎም ንኸኣትዉ ከምዝተወሰነ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም፡፡
መንግስቲ ኣብ መሰረታዊ ናይ ንግዲ ሸቐጣት ሕፅረት ፍርያት ከየጋጥም ብምሕሳብ ንውልቀ ሰብ ሃፍቲ ፍራንኮ ቫሉታ ከምዝፈቐደ ኣዘኻኺሮም፡፡
ፍራንኮ ቫሉታ መሰረታዊ ሸቀጣት ናብ ውሽጢ ሃገር ብምእታው ሕፅረት ፍርያት ከየጋጥም ዝተወሰነ ሓገዝ ከምዝገበረ እውን ንግዜኢ ተዛሪቦም፡፡
ይኹን እምበር ፍራንኮ ቫሉታ ብዘይተገበአ መገዲ ንፀሊም ዕዳጋ ብምቅልዑ ኣብ ሸርፊ ወፃኢ ፅዕንቶ ምሕዳር ካብ ረብሑኡ ጉድኣቱ ከምዘዘምብል ገሊፆም፡፡
ዝተማለአ ትግበራ ፖሊሲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ስሩዕን ተነፃፃሪ ዕዳጋን ዘሎ ተመን ሸርፊ ወፃኢ ተቐራራቢ ብምግባሩ ፍራንኮ ቫሉታ ክለዓል ከምዝተገበረ ገሊፆም፡፡
መሰረታዊ ጠለባት ብፍራንኮ ቫሉታ ናብ ሃገር ናይ ምእታው ውሳነ ሙሉእ ብሙሉእ ጠጠው ክብል ከምዝተገበረ እውን ተዛሪቦም፡፡