ኣብ ሶማሌላንድ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሶማሌላንድ 4ይ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ይካየድ ኣሎ።
እቲ መረፃ ንሶማሌላንዳውያን ወሳኒ ከምዝኾነ መረፅቲ ዝገለፁ እንትኾኑ፥ እቲ መረፃ ንሰላም፣ ልምዓትን ሓድነቶምን ወሳኒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እቲ መረፃ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንክልተ ዓመት ከምዝደንጎየ ዝሓበሩ መረፅቲ፥ መረፃ ብምድንጓዩ ዘጋጠሙ ፀገማት ከምዝፍትሑሎም እምነቶም ገሊፆም።
ሎሚ መዓልቲ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መረፃ፤ ናይዚ እዋን ፕሬዚዳንት ሙሴ ቢሂ ኣብዲ ዝመርሑዎ “ፒስ ዩኒቲ ኤንድ ዴቭሎፕመንት ፓርቲ”፣ ኣብዲ ራህማን ሞሃመድ ኣብዱላሂ ዝውክሉዎ “ሶማሌላንድ ናሽናል ፓርቲ”ን ብፋይሳል ኣሊ ዋራቤ ዝምራሕ “ጀስቲስ ኤንድ ዌልፌር ፓርቲ” እናተናሓንሑ ይርከቡ።
ኣብ ሽዱሽተ ክልላት ኣብ 2 ሺሕን 648 ጣቢያታት መረፃ ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን መረፅቲ ድምፆም እናሃቡ ይርከቡ።
ብታሪኩ ለገሰ ካብ ሃርጌሳ