ኣጀንዳ ናይ ምእካብ ዘተ ምዕራፍ እናምፀኦም ዝርከቡ ውፅኢታት እንታይ እዮም?
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ሀገራዊ ምምኽካር ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላትን ምምሕዳራት ከተማታትን ዝካየድ ምዕራፋት ምምኽኻር ኣጀንዳ ምትእኽኻብ ክሰርሕ ከምዝፀንሐ ዝዝከር እዩ።
ኣብዚ መስርሕ እዚ ቀንዲ ዕላማ እቲ ኮሚሽን ካብ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ኣጀንዳ ምእካብ ምዃኑ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ እቲ መስርሕ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ኣብ ሃገራዊ ምዕራፍ ምምኽኻር ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ።
እዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ እማመታት፡ ኮሚሽን በቲ መስርሕ ኣቢሉ ዝረኽቦም ዘሎ ዘይቀጥታዊ ውጽኢት እዩ።
- ኣብ መንጎ መዳርግቲ ኣካላት ዝሓሸ ምትእምማንን ርክብን ምምዕባል
ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ምዕራፍ ምምኽኻር ምእካብ ኣጀንዳ፡ ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ክሳተፉ ዝግበኦም መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ሓባራዊ ዛዕባታቶም ይራኸቡን ይመኻኸሩን ኣለዉ።
እቲ ዘተ ኣብ መንጎ ካብ ዝተፈላለዩ ምድባት ዝመፅእ ህዝብና ምትእምማን ብምፍጣር ተስፋ ዘለዎም ሓባራዊ ኣሰራርሓ ስራሕ ንምምዕባል ኣኽኢሉ።
- ዋንነት መዳርግቲ ኣካላት ምፍጣር
ሃገራዊ ምምኽኻር ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ዋንነት ክስምዖምን ኣብቲ መስርሕ ብማዕረ ክሳተፉሉን ዝግበኦ ዲሞክራስያዊ መስርሕ እዩ።
ኣብቶም እቲ መስርሕ ዝተኻየደሎም ከባቢታት ሃገርና ብዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ንዕውትነት እቲ መስርሕ ብዝተፈላለየ መዳያት ዘርኣይዎ ምትሕብባርን ተበግሶን ዝነኣድ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ኣብቲ መስርሕ ዋንነቶም ክሃንጹ ኣኽኢልዎም።
- ናይ ምምኽኻር ባህሊ ምምዕባል
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ኣጀንዳ ምትእኽኻብ ዝተገብረሎም ግርጭታት ብ ባህላዊ ሽምግልና መንገዲ ምፍታሕ ልሙድ ምዃኑ ይፍለጥ።
ይኹን እምበር እቲ መስርሕ ብስርዓት ሽምግልና ደቀባት ዘይተፈትሐ ናይ ሓሳብ ፍልልያት ንምፍታሕ ስሉጥ ዋሕዚ ሓሳባት ኣመቻቺዩ እዩ።
እዚ ድማ ዝተፈላለየ ርእይቶ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ዓውድታት ፍልልያቶም ክዛተዩን ናይ ምምኽኻር ባህሊ ከማዕብሉን ዕድል ፈጢሩ ኣሎ።
4.ፅፁይ ሓበሬታን ንምእካብ
ሓቂ እዩ እቲ ናይ ምምኽኻር ምዕራፍ ኣጀንዳ ምቕማጥ ብዙሓት መዳርግቲ ኣካላት ዘሳተፈ እዩ።
ኣብ ከይዲ እቲ ኮሚሽን ንስትራተጂካዊ ጉዳያት ዝውዕልን ንቐፃሊ መስርሕ ምምኽኻር ከም እታዎት ዝውዕልን ሓበሬታ ኣብ ምእካብን ምውዳብን ዕዉት ስራሕቲ ኣካይዱ እዩ።