ኣብ ኢትዮጵያ 1 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዜጋታት ምስ ሕማም ሽኮር ከምዝነብሩ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ 1 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዜጋታት ምስ ሕማም ሽኮር ከምዝነብሩ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።
ዓለም ለኸ መዓልቲ ሕማም ሽኮር ኣብ ኢትዮጵያ ንመበል 34 ግዘ 5 ሕዳር 2017 ዓ.ም ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ክኽበር ኢዩ፡፡
ኣብ ሚኒስቴር ጥዕና ዳይሬክቶሬት ምክልኻልን ምቁፅፃርር ሕማማት መሪሕ ፈፃሚት ስራሕ ሕይወት ሰለሞን (ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ማሕበር ሕማም ሽኮር ኢትዮጵያ ጌታሁን ታረቀ (ዶ/ር)ን እቲ መዓልቲ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም፡፡
ኣብ መግለፂኦም ድማ ሕማም ሽኮር ሓደ ሰብ ኣብ ደሙ ዘሎ መጠን ሽኮር ክኸውን ካብ ዝግበኦ ንላዕሊ ክብ እንትብል ዘጋጥም ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ብብርኪ ዓለም 653 ሚሊየን ዜጋታት ምስ ሕማም ሽኮር ዝነብሩ እንትኾኑ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ልዕሊ 1 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዜጋታት ምስቲ ሕማም ከምዝነብሩ ኣልዒሎም፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ሕማም ሽኮር ካብ ሞንጎ ዘለዎም ዜጋታ 50 ሚኢታዊ ዝኾኑ ሕማም ሽኮር ከምዘለዎም ከምዘይፈልጡ ብምሕባር÷ እዚ ድማ እቲ ፀገም ብዝበለፀ ከምዘጋደዶ ኣመልኪቶም፡፡
ብመላኩ ገድፍን ኣሸናፊ ሽብሩን