ዝህነፅ ዘሎ ሓይሊ ምክልኻል ንምርግጋፅ ሉእላውነትን ብሄራዊ ረብሓታትን ኢትዮጵያ ዋሕስ ኢዩ-ኣምባሳደር ሬዲዋን ሑሴን
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝህነፅ ዘሎ ሓይሊ ምክልኻል ንምርግጋፅ ሉእላውነትን ብሄራዊ ረብሓታትን ኢትዮጵያ ዋሕስ ኢዩ ክብሉ ዳይሬክተር ጀነራል ብሄራዊ መረዳእታን ኣገልግሎት ድሕንነትን ኣምባሳደር ሬዲዋን ሑሴን ገሊፆም።
ኣምባሳደር ሬድዋን ንተምሃሮ፣ ኣመራርሓን መምህራንን ኣዘዝነትን ስታፍ ኮሌጅን ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ዝጠመተ መብርሂ ሂቦም።
ኣብ መግለፂኦም፥ ካብ ኩለን ሃገራት ሰላምን ብሄራዊ ረብሓን ዘቐደመ ስራሕ የስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።
ነዚ ኣጠናኺርካ ብምቕፃል ኢትዮጵያ ዘለዋ ተሰማዕነት ሓሊኻ ምኽያድ ከመዝተኽኣለ ተዛሪቦም።
ጎረቤት ሃገራት ብምቕዳም ሽርክና ብምስፋሕ፣ ኣብ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ድሕንነትን ጉዳያት ብምትሕብባር ምስራሕ ዘኽእል ፖሊሲ ብምቕራፅ የስረሐሉ ከምዘሎ ገሊፆም።
ሰላምን ድሕንነትን ውሽጣዊ ኩነታት፣ ዝሰኸነ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ተግባር ቀንዲ ፍልፍል ጥንካረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
እዚ ንምርግጋፅ ብሄራዊ ምርድዳእ፣ ድኽነት ምቕራፍን ሓቛፊ ፈትሓዊ ምዕባለን፣ እናተለወጠ ዝመፅአ ዓለማዊ ኩነታት ተሓሳቢ ዝገበረ ምድላው ኩለ መዳይ ድልውነት ምግባር ከምዝግባእ ገሊፆም።