ዓብዪ ኮሚቴ ኣመራርሓ ሪፎርም ኣገልግሎትን ምምሕዳርን መንግስቲ መበል ካልኣይ ኣኼብኡ ኣካይዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓብዪ ኮሚቴ ኣመራርሓ ሪፎርም ኣገልግሎትን ምምሕዳርን መንግስቲ መበል ካልኣይ ኣኼብኡ ኣካይዱ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ዓውዲ ምምሕዳርን ኣገልግሎትን መንግስቲ ዝረኣዩ ፀገማት ብመሰረታዊነት ንምፍታሕ ሪፎርም ምጅማሮም የፍለጥ ኢሎም።
ብመሰረት እዚ እቲ ኮሚቴ፥ ኣብ ኮሚሽን ስቪል ሰርቪስ ዝተኻየዱ ስራሕቲ ሪፎርም ዑደት ከምዝገበረ ተዛሪቦም።
ኣብ ቀፃሊ እወንታዊ ጅማሮታት ኣጠናኺርካ ብምቕፃል ኣብቲ ሪፎርም ዝተሓቖፉ ትካላት ዘለወን ልምዲታት ዝለዋወጣሉ ዓውዲ ምፍጣር ምኽኣሉ ሓቢሮም።