Fana: At a Speed of Life!

ስፔን ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ኣንቢራቶ ዝነበረት ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣልዒላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ስፔን ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ኣንቢራቶ ዝነበረት ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣልዒላ።

እታ ሃገር ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብምልዓል ዶባታ ንኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ክፍቲ ገይራ ኣላ።

ነዙይ ስዒቡ ድማ ስፔናውያን ንኣዋርሕ ተፈሊዮምዎም ዝነበሩ ኣዝማዶምን ፈተውቶምን እናሓተቱ ይርከቡ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ካብ ፖርቹጋልን ብሪታኒያን ወፃእ ዝኾኑ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ስፔን ምእታው ጀሚሮም ኣለዉ።

እቶም ተጓዓዝቲ ናብ ስፔን እንትኣትዉ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ ከምዘግባእን ኣብ ዝንቀሳቐሱሉ እዋን ልክዒት መጠን ሙቐት ከምዝግበረሎምን ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ናብ ስፔን ምስ ኣተዉ ዝዓረፉሉ ቦታ ናይ ምፍላጥ ግቡእ ከምዘለዎም ተሓቢሩ።

ፍልፍል፦ ኣልጀዚራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.