Fana: At a Speed of Life!

ጀነራል ሰዓረ መኮንን ዝተሰዉኡሉ ዝኽሪ ቀዳማይ እንትኽበር ብስሞም ዝተሰመየ ጎደና እውን ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት መስዋእቲ ነበር ኤታማጆር ሹም ፌዴሪኢ ጀኔራል ሰዓረ መኮንን ተሳሊጡ።

ኣብቲ መርሃ-ግብሪ ምክትል ከንቲባ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኢንጅነር ታከለ ኡማን ሓላፊ ፓርቲ ብልፅግና ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ተስፋየ በልጅጌን ተረኺቦም።

ጀኔራል ሰዓረ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ህይወቶም ቅድሚ ምሕላፉ ቅድሚ ሒደት ሰዓትታት ምስ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ብምዃን ካብ ሩዋንዳ ናብ ኣትላስ ኣብ ዝወስድ መገዲ ተኽሊ ተኺሎም ምንባሮም ተገሊፁ።

እቲ ናይ ሎሚ መዓቲ መርሃ ግብሪ ዝኽሪ ጀኔራል ሰዓረ እውን ኣቢቲ ቦታ ኢዩ ተሳሊጡ።

ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ጀነራል ሰዓረ ሕይወቶም ምስ ሓለፈ ኣብቲ ቦታ ናይ ዝኽሪ ፓርክ ከምዘስርሕ ዕላዊ ብዝገበሮ መሰረት፥ ህንፀት እቲ ፓርክ ብዕሊ ተጀሚሩ ኣሎ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ብስም ጀነራል ሰዓረ ዝተሰየመ ጎደና ዝተመረቐ እንትኸውን፥ ካብ ሩዋንዳ ናብ ኣትላስ ኣብ ዝወስድ መገዲ ንዝኽሪ እቶም ጀነራል ሓወልቲ ከምዝትከል ተሓቢሩ።

ኣብቲ መርሃ-ግብሪ፥ ስድራ ቤት ገነራል ሰዓረ፣ ፈተውቲን ዝተፈላለዩ ኣመራርሓታትትን ተረኺቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.