ነበር ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ወት እናተቓረቡ ይርከቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ እናተኻየደ ዝርከብ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ሪፐብሊካን ነበር ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ወት እናተቓረቡ ይርከቡ፡፡
ክሳብ ሕዚ ብዘለዎ ውፅኢት ዶናልድ ትራምፕ ንዴሞክራት ካማላ ሃሪስ ብሰፊሕ ብምምራሕ ፕሬዚዳንት ንምዃን ዘኽእሎም ድምፂ እናኣከቡ ይርከቡ፡፡
ዶናልድ ትራምፕ ንደገፍቶም ኣብ ዘስምዑዎ መደረ ብውልቆም መበል 47 ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ብምዃን ከምዝተዓወተ ዕላዊ ገይሮም።