ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ካብ ጥምየት ነፃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ካብ ጥምየት ነፃ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ ኮንፈረንስ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር))፣ ኣቦ መንበር ኮመኒሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ መሃማትን ዳይሬክተር ጄነራል ዩኒዶ ገርድ ሙለርን ተረኺቦም።
ብተወሳኺ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ከምኡውን ልዕሊ 30 ዓለም ለኸ ትካላት ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 1 ሺሕን 500 ተሳተፍቲ ኣብቲ ኮንፈረንስ ክሳተፉ ኢዮም ተባሂሉ።
ዳይሬክተር ጄነራል ዩኒዶ ገርድ ሙለር ኣብ ዝገበርዎ መኽፈቲ መደረ፥ እቲ ኮንፈረንስ ንምድላው ግደኦም ዝተዋፅኡ ኣካላት አመስጊኖም።
ብዝተፈላለዩ ሃፍቲታት ተፈጥሮ ዝማዕበለት ኣፍሪካ ዘለዋ ሃፍቲ ብኣግባቡ ምጥቃም ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።
ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅን ካብ ጥምየት ነፃ ዓለም ንምፍጣርን ኩሉ መዳርግቲ ኣካል ብምውዳድ ክሰርሕ ከምዘለዎ ሓቢሮም።