Fana: At a Speed of Life!

መበል 32 ዓመት መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ ኣብ መቐለ ሓወልቲ ሰማእታት ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 32 ዓመት መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ ኣብ መቐለ ቀፅሪ ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ ሎሚ መዓልቲ ተኸቢሩ።

እቲ በዓል፥ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ኣቦ መንበር ህወሓትን ፣ ምክትል ኣዶ መንበር ህወሓት ተጋዳሊት ፈትለ ወርቅ ገብረእግዚኣብሄር፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ሩፋኤል ሽፋረን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ውድብን መንግስትን ኣብ ዝተረኸብሉ ኢዩ ተኸሩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ተወከልቲ ማሕበር ጉዱኣት ኩናት ትግራይ፣ ማሕበር ተጋደልቲ ትግራይ፣ ማሕበር ደቂ ስዉኣት ትግራይ፣ ተወከልቲ ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሳ ውድባት ፖለቲካን ካልኦት ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን እውን ተረኺቦም።

ሰማእታት ብምዝካር ዝተጀመረ እቲ ስነ-ስርዓት፣ ነቲ ዕለት ዝተዳለወ ችቦ ብዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ምስተወለዐ ስነ-ስርዓት ምቕማጥ ሕቑፊ ዕምበባ እውን ተኻይዱ ኢዩ።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብቲ ስነ-ስርዓት መልእኽቲ ዘመሓላለፉ እንትኾኑ፥ “ሰነ 15 በብዓመቱ እንነኽብርሉ ምኽንያት፤ ሰማእታትና ህዝቢ ክሓልፈሉ፣ ህዝቢ ካብ ድኽነትን ድሕረትን ክወፅእ፣ ካብ ጭቆና ተናጊፉ ሰላምን ዴሞክራስን ክረክብ ኢሎም ዝሓለፉላ ዕለት ስለዝኾነት” እያ ኢሎም።

ሰማእታት ብዙሕ መከራ ሓሊፎም ስርዓት ኣፍሪሶም ስርዓት ዝሃነፁ እዮም ኢዮም ዝበሉ ዶክተር ደብረፂዮን፥ ነዞም ሰማእታት እንትንዝክር ሰብ ዕላማ ምንባሮምን ልዕሊ ነብሶም ዝሓልፉሉ ህዝቢ ከምዝነበሮምን ዝዝከረሉ ዕለት ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ስለዝኾነ ድማ እዞም ስርዓት ኣፍሪሶም ስርዓት ዝሃነፁ፣ በይዛ ህዝቢ ዝኾኑ ጀጋኑ ሰማእታት እንትንዝክር ታሪኽ ጥራሕ ዘይኮነስ እተን ንሳቶም ዝጀመርወን፣ እንተወሓደ እተን ንሳቶም ዘዐወትወን ከይሸራረፋ ክንሕልወን ቃል እንኣትወሉ መዓልቲ እዩ” ኢሎም።

ሰነ 15 ንሰማእታት ዝዝከረሉ ዕለት ጥራሕ ከምዘይኮነ ዝገለፁ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር፥ “ንሕና እንታይ ኢና እንገብር ዘለና? እዞም ደቂ ህዝቢ ዋጋ ዝኸፈልሉ፣ ዝወደቑሉ ዕላማ ነቐፅሎ ዶ ኣለና? እዞም ትግራይ ክሓልፈሉ እዮም ዝተሰዉኡ፣ ህዝቢ ትግራይ ካብ ድሕረት፣ ካብ ድኽነት ምእንታ ክናገፍ ዝተሰዉኡ ጀጋኑ ሕድሪሮም ክሳብ ክንደየናይ ኢና ተቐቢልናያ? እተን ዝጀመርዎን ከ ንዕቅበን ዶ ኣለና? ነማዕብለን፣ ነደንፈዐን ዶ ኣለና ኢልና ኩልና ክንሓስብ፣ ንባዕልና ፈቲሽና ክነመዓራሪ፣ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ቃልና ክነሐድስ ምእንቲ ኢና ሰነ 15 እነኽብሮ” ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

በዓል መዓልቲ ሰማእታት፥ “ሕድሪ ስውኣትና ኣፅኒዕና ንመኸተ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ መላእ ትግራይ፣ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተጋሩን  እናኽበሩዎ ይርከቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.