Fana: At a Speed of Life!

ግብፂ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ከይዲ ድርድር እናሃለወ ናብ ቤት ምኸሪ ፀፅታ ምውሳዳ ከምዘይትቕበሎ ሱዳን ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብፂ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ከይዲ ድርድር እናሃለወ ናብ ቤት ምኸሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት ምውሳዳ ከምዘይትቕበሎ ሱዳን ኣፍሊጣ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሱዳን ዑመር ቀመረዲን ምስ ቢቢሲ ዓረቢኛ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ዙር ምልኢት ማይ ግድብ ህዳሰ እንተጀሚራ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ናብ ጎንፂ ከምዘይተኣቱ ገሊፆም።

ሃገሮም ሱዳን ዘጋጥም ፀገም ብዲፕሎማያዊ መገዲ ጥራሕ ንኽፍታሕ ከምትሰርሕ እውን ኣገንዚቦም።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ናብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ከምዝወሰደቶ ምግላፁ ይዝከር።

ኢትዮጵያ ብግደኣ ቀዳማይ ዙር ምልኢት ማይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሓምለ ንምጅማር ናይ ዝኾነ ይኹን ፍቓድ ከምዘየድሊያ ኣፍሊጣ ኢያ።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ክረምቲ ምልኢትማይ ንምጅማር ዘኽእዋ ምድላዋት እውን እናገበረት ትርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ቀዳማይ ዙር ኣመላልኣ ማይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ሓደ ስምምዕነት ንምብፃሕ ብኮንፈረንስ ቪዲዮ ንመዓልታት ዝዘለቐ ድርድር እናገበራ ዝቐነያ እንትኾና፥ ኣብ መሰረታዊ ጉዳያት ቴክኒክ ክስማዕማዓ ክኢለን ነይረን ኢየን።

ይኹን እምበር ሕጊ ኮይኑ ንኽወፅእ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ሕጊ ከምዘይተስማዕምዓ ተገሊፁ።

ሱዳን ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝነበሩ ከይዲ ድርድራት ተወሳኺ ምይይጥ ከምትደሊ ምግላፃ ስዒቡ፥ እቲ ድርድር ድሕሪኡ ንኽቕጥል ብምስምዕማዕ ኢየን ተፈላሊየን ነይረን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.