Fana: At a Speed of Life!

ብሪክስ ኣብ ዓለም ለኸ ኣጀንዳታት ሓበራዊ ቅዋም ስለዝሕዝ ንኢትዮጵያ ፅቡቕ ዕድል ኢዩ-ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሪክስ ኣብ ዓለም ለኸ ኣጀንዳታት ሓበራዊ ቅዋም ስለዝሕዝ ንኢትዮጵያ ፅቡቕ ዕድል ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሬኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ሓላፊ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ መሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ዝመርሕኡ “ኣብ ብሪክስ+ ማዕቐፍ ውሽጢ ግደ ኢትዮጵያ” ብዝብል ርእሲ ዘተ ተኻይዱ።

ኣብቲ ዘተ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)፣ ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ማሞ ምህረቱ፣ ዳይሬክተር ጄነራል ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነነትን  ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴንን ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምጋኑ ኣርጋን ተሳቲፎም።

ቀንዲ ጠመተ እቲ መድረኽ ዘተ፥ ኢትዮጵያ ኣባል ጉጅለ ብሪክስ ንምንታይ ኮይና፣ እንታይ ረብሓ ኣለዎ ከምኡውን ካብ ኢትዮጵያ ወፃእ ፖሊሲን ባህግን ከመይ ይጠዓዓም ዝብል ከምዝኾነ  ቢልለኔ ስዩም ተዛሪበን።

እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ንሪክስ ሓበራዊ ራእይ ዘለወን፣ ብብርኪ ዓለም ፅዕንቶ ፈጠርቲ ዝኾና፣ ስሉጥ ምዕባለ ዘመዝግባ ናይ ዘለዋ ሃገራት እኩብ ኮይኑ ዝተጀመረ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ብሪክስ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ጠመተ ምትሕብባር ዝግበረሉ እኩብ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ጉዳያት ፖለቲካን ድሕንነትን፣ ኢኮኖሚን ፋይናንስን ከምኡውን ጉዳያት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ጠመተ ብምግባር ከምዝንቀሳቐስ ኣብሪሆም።

ብስሉጥ እትዓቢ ዘላ ኢትዮጵያ ናብ ብሪክስ ምውሃዳ ዘድልዩዋ ቴክኖሎጂታት፣ ደገፍ ፋይናንስን ኢንቨስትመንትን ንምርካብ ዝረብሕ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ብሪክስ ኣብ ዓለም ለኸ ኣጀንዳታት ሓበራዊ ቅዋም ስለዝሕዝ ንኢትዮጵያ ፅቡቕ ዕድል ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.