ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓኣ ንምሕላው ትካላት ግደኦም ከጠናኽሩ ከምዘለም ተሓቢሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ማዕቀፍ ብሪክስ ብንቕሓት ንምስታፍን ኣብቲ መድረኽ ብሄራዊ ረብሓኣ ንምሕላው ትካላት ዝህልወን ግደ ከጠናኽሩ ከምዘለዎም ተገሊፁ።
ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ብሄራዊ ኮሚቴ ቴክኒክ ብሪክስ ኢትዮጵያ 5ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ ኣሳሊጡ።
ፍሉይ ኣማኻሪ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምኒልክ ኣለሙ ከምዝገለፁዎ፤ እቲ ጉባኤ ብሄራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ ዘሕለወ ኢዩ።
እቲ ጉባኤ ረብሓን ጠለብን ኢትዮጵያ ዘሕለወ፣ ኣባል ሃገራት ንዓለም ለኸ ፋይናንስ፣ ኣብ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ቤት ምኽሪ ፀፅታን ከምኡ እውን ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ግደአን ንኽውስኽ ቆራፅነት ኣባል ሃገራት ብሪክስ ዝተርኣየሉ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኢትዮጵያ ኣብ ማዕቀፍ ብሪክስ ብንቕሓት ንምስታፍን ኣብቲ መድረኽ ብሄራዊ ረብሓኣ ንምሕላው ትካላት ዝህልወን ግደ ከጠናኽራ ከምዘለወን ምትሕስሳቦም ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ የመላኽት፡፡