Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ተወሰኽቲ 2 ሰባት ብቫይረስኮሮና ምልካፎም ተረጋጊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕ 139 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ተወሰኽቲ 2 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ምልካፎም ተረጋጊፁ።

ድድመ እቶም ብቫይረስ ኮሮና ምልካፎም ዝተረጋገፁ ደቂ ተባዕቲዮ ካብ 17 ክሳብ 37 ኢዩ።

እቶም ምርመራ ተገይርሎም ቫይረስኮሮና ዝተረኸቦም ወገናት ክልቲኦም ኣብ ማይ ካድራ እንትኾኑ፥ ጉዕዞ ታሪኽ ወፃኢ ዓዲ ዝነበሮምን ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝፀንሑን እዮም።

ብድምር ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ 7 ሺሕን 145 ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ዝተገበረሎም እንትኾኑ፥ ካብቶም ዝተመርመሩ  182 ሰባት ቫይረስኮሮና ተረኺብዎም እዩ።

ካብዚኦም 162 ወገናት ኣብ መሐከሚ ማእኸል ይርከቡ።

ምስ እዚኦም ሓደ ካብ ትግራይ ወፃኢ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ገይሩ ኣብ ትግራይ ኣብ መሐከሚ ማእኸል ክንክን እናተገበረሉ ዘሎ እዩ።

ክሳብ ሕዚ 20 ሰባት ካብ ቫይረስኮሮና ዲሒኖም ወፂኦም እዮም።

ክሳብ ሕዚ ናይ ሓንቲ ንእስቲ ሞት ድማ ኣጋጢሙ እዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.