Fana: At a Speed of Life!

ሰሜን ኮሪያ ክሳብ ኣሜሪካ ክበፅሕ ከምዝኽእል ዝተነገረሉ ሚሳዔል ፈቲና

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰሜን ኮሪያ ሃዋሶንግ-19 ዝተባህለ ኣህጉር ዘቋርፅ ነዊሕ ርሕቐት ተወንዓፊ ባላስቲክ ሚሳኤል ትማሊ ከምዝፈተነት ኣፍሊጣ፡፡

ሃዋሶንግ-19 7 ሺሕን 687 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ኣብ ውሽጢ 86 ደቒቕ ከምዝተጓዓዘ ዝተዘረበ እንትኸውን፤ እታ ሃገር ከምዚ ዝበለ ነዊሕ ርሕቐት ዝውንጨፍ ሚሳኤል እንትትፍትን እዚ ንካልኣይ ግዜ ከምዝኾነ መራኀብቲ ሓፋሽ ሰሜን ኮሪያ ፀብፂበን፡፡

እቲ ፈተነ ብስሩዕ መገዲ እንተዝጓዓዝ ክሳብ 15 ሺሕ ኪሎ ሜትሮ ክሕምበብ ከምዝኽእል ተገሊፁ።

እዚ ማለት ድማ ካብ ደቡብ ኮሪያ ናብ ኣሜሪካ ክበፅሕ ከምዝኽእል ኮሪያ ጆንግአንግ ዴይሊ ፀብፂቡ።

ሰሜን ኮሪያ እቲ ፈተነ ዘካየደቶ ዓቕማ ዝበፅሖ ደረጃ ንክተርኢ ተሓሲቡ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.