Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ናበ ዲጂታል ቆፀራ ህዝቢን ገዛን ትጓዓዝ ኣላ – ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ስራሕ ምስትውዓል ብምጥቃም ኢትዮጵያ ናብ ሙሉ ዲጂታል ቆፀራ ህዝቢን ገዛን እናተጓዓዘት ትርከብ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡

9ይ ኮሚሽን ስታትስቲክስ ኣፍሪካ “ኣፍሪካዊ ፈጠራ ኣብ ልምዓት ስታቲስቲክስ ምልማዕ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ንሰለስተ መዓልቲ ብብርኪ ሰብ ሞያ እናተኻየደ ዝነበረ ጉባኤ ሎሚ መዓልቲ መራሕቲን ሰብ ሞያ ዓለም ለኸ ትካላትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡

ኣይተ ተመስገን ኣብቲ እዋን÷ ብዝተወደበ ሓበሬታን ሰብ ስራሕን ምስትውዓልን ብምጥቃም ከምኡ እውን ትኽክለኛነት ስታትስቲክስ ብምምሕያሽ ኢትዮጵያ ናብ ሙሉ ዲጂታል ቆፀራ ህዝቢን ገዛን እናተጓዓዘት ከምዝኾነት ተዛሪቦም፡፡

“ኣፍሪካ ናይ ፅባሕ ዕድል ሎሚ ኣብ ንሓስቦ፣ ንፈጥሮ ስራሕን ዓቅሚን ዝተመስረተ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝሐሹ ልምዲታት ስታትስቲክስ ዝተዳህሰሱሉ እንትኸውን÷ ኣብ ኣፍሪካ ስታትስቲክስ ዕድላትን ማሕለኻታትን ዘድሀቡ ሓበሬታታት ቀሪቦም።

ብፍሬህይዎት ሰፊው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.