Fana: At a Speed of Life!

4 ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ዝርዝር ሕፁያት ብሉፃት ኣትሌታት እዚ ዓመት ተኻቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዮሚፍ ቀጀልቻ፣ ታምራት ቶላ፣ ትዕግስት ከተማን ሱቱሜ ኣሰፋን ኣብ ዝርዝር ሕፁያት ካብ ስታዲየም ወፃእ ብሉፃት ኣትሌታት ዓመተ 2024 ተኻቲቶም።

እቶም ኣትሌታት፥ ኣብ 2024 ዓ.ም.ፈ ኣብ ውድድር ጕያ ጎደና ብዘመዝገብዎ ውፅኢት ኢዮም ኣብ ዝርዝር ሕፁያት ተኻቲቶም ተባሂሉ።

ኣትሌት ታምራት ቶላ ኣብ ውድድራት ኦሊምፒክን በርሊን ማራቶንን ክብረ ወሰን ብምምሕያሽ ምዕዋቱ ይዝከር።

ኣትሌት ዮሚፍ ቀጀልቻ ኣብ ቫሌንሺያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ፈርቂ ማራቶን ክብረ ወሰን ዓለም ብምምዝጋብ ተዓዊቱ ኢዩ።

ብደቂ ኣኒስቲዮ ኣትሌት ትዕግስት ከተማን ሱቱሜ ኣሰፋ ኣብቲ ሽልማት ብሕፁይነት ምክታተን ኣብ ኣትሌቲክስ ዓለም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.