Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ምስ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ፋይናንስ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ምስ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ፋይናንስ ማክታሃር ዲዮፕን ምክትል ኤጀንሲ ኩለ መዳይ ውሕስና ኢንቨስትመንት ኢትዮጲስ ተፈራን  ዘቲዮም።

እቲ ዘተ፥ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ከምኡውን ምስ ውልቀ ሴክተራት ብቕርበት ምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ ዓውዲ ውልቀ ኣብ ኢኮኖሚ ንምስታፍ እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ተዘቲዩሉ።

ኣብ ቀረባ እዋን ንዓለም ለኸ ኢንቨስተራት ምቹእ ኩነታት ንምፍጣር ዝተገበሩ ምምሕያሻት ማክሮ ኢኮኖሚ ብዝምልከት መብርሂ ተዋሂቡ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.