Fana: At a Speed of Life!

125 ኢትዮጵያዊያን ካብ ሊባኖስ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2017 ዓ.ም(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 125 ኢትዮጵያዊያን ካብ ሊባኖስ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣብ ሊባኖስ ኣብ ኣፀጋመኒ ኩነታት ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ቤይሩት ምስ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ጄነራል ብምዃን ኣብ ቀፃሊ ንፀገም ዝተቓልዑ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ኣድላዪ ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ምግላፁ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.