Fana: At a Speed of Life!

56 ኢትዮጵያውያን ካብ ጅቡቲ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ 56 ስሩዓት ዘይኮኑ ፍልሰተኛታት ምስ ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኞች ብምትሕብባር ናብ ኢትዮጵያ ከምዝመለሰ ኣፍሊጡ፡፡

እቶም ዘይሕጋዊ ፍልሰተኛታት ብኣውሮፕላን ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

መገዲ ኢትዮ-ጅቡቲ ኣዚዜ ሓደገኛ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ብዘይሕጋዊ ዶብ ዘለል ጉጅለታት ምኽንያት ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ንሕልፈት እናተቓልዑ ከምዝርከቡ ተሓቢሩ፡፡

ዘይሕጋዊ ስደት ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኩሎም ወለዲ ንደቆም ካብ መሰል ተግባራት ንኽቑጠቡ ክምዕዱ ከምዝግባእ እቲ ኤምባሲ ኣተሓሳሲቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.