Fana: At a Speed of Life!

ኣኼባ ስትሪንግ ኮሚቴ ፍሪያት ፓርክታት ዝተዋደደ ኣግሮ ኢንዱስትሪ መዕበዪ ፕሮጀክት ይካየድ ኣሎ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣኼባ ስትሪንግ ኮሚቴ ፍሪያት ፓርክታት ዝተዋደደ ኣግሮ ኢንዱስትሪ መዕበዪ ፕሮጀክት ይካየድ ኣሎ ።

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣብረሃም በላይ(ዶ/ር)፣ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ፣ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፋሪያት ካሚልን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ምንግስቲን ተረኺቦም።

ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)፥ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ከባቢታት ፓርክታት ዝተዋደደ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ህንፀት ፕሮጀክትታት ግድባት መስኖ ብምስፋሕ ፍሪያት ግብርና ንምምዕባል ዝዓለመ ኢዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ዘበናዊ ግብርና ምምዕባል ከምዘኽእል ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ከባቢ እቶም ፓርክታት ፍሪያት ግብርና ሓረስቶትን መናእሰይን ምዕባይ ዘኽእሉ ህንፀት ፕሮጀክትታት መስኖ ይካየድ ከምዘሎ ገሊፆም።

ንኣብነት፥ ፕሮጀክት መስኖ ጊዳቦ፣ ጣባን ለቺትን ሓዊሱ ተዛመድቲ ስራሕቲ ይካየዱ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ብመሳፍንት እያዩን ቤዛዊት ተፈሪን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.