Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ልምዓት ኣዲስ ብሪክስ ንኢትዮጵያ ልዑል ዕድል ፋይናንስ ዝፈጥር ኢዩ – ሃብታሙ ተገኝ (ኢ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ልምዓት ኣዲስ ብሪክስ ንኢትዮጵያ ልዑል ዕድል ፋይናንስ ዝፈጥር ኢዩ  ክብሉ ሚኒስትር ዕደና ሃብታሙ ተገኝ (ኢ/ር)  ገሊፆም።

ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ሩሲያ ከተማ ካዛን ኣብ ዝተሳለጠ መበል 16 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ዝነበሮ ፃንሒት ጠሚቶም መብርሂ ዝሃቡ ሃብታሙ ተገኝ (ኢ/ር)፥ ብሪክስ ብበዝሒ ህዝቢን ዓቕሚ ኢኮኖሚን ኣብ ዓለም ፅዕንቶ ዝፈጥር እኩብ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብመንፅር እዚ ኢትዮጵያ ኣባል ብሪክስ ምዃና ልዑል ትርጉም ከምዘለዎ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ኣባል ሃገራት ብሪክስ በዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብምትሕብባር ትሰርሕ ከምዘላ ገሊፆም።

ኣብቲ ጉባኤ መሰረተ ልምዓታት ብፋይናንስ ዘሳለጥ ባንኪ ልምዓት ኣዲስ ብሪክስ ንኢትዮጵያ ልዑል ዕድል ፋይናንስ ዝፈጥር ኢዩ  ኢሎም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.