Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ኮፕ 29 ዕዉት ንምግባር ቅድመ ምድላው እናገበረት ትርከብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ኮፕ 29 ዕዉት ንምግባር ቅድመ ምድላው እናገበረት ከምትርከብ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ገሊፀን።

ኣብ ኣዘርባጃን ባኮ ዝካየድ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ኮፕ 29÷ ኢትዮጵያ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ኣብቲ ጉዳይ ቅድሚት ኣብ ትህቦምን ትፅቢት ኣብ ትገብረሎምን ውፅኢታት ምስ መሓዙት መዳርግቲ ኣካላት እናዘተየት ትርከብ።

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን÷ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ሰሙን ክሌማዊ ለውጢን ቅድመ ትንተና መፅናዕቲ ክሌማዊ ለውጢ ቅድሚት ንህፃናትን ብምቕራብ፤ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉዳይ ቅድሚት ኣብ ትህቦም ጉዳያት ዘተ እናተኻየደ ከምዝርከብ ገሊፀን፡፡

ክሌማዊ ለውጢ ስግኣት ዓለም ከምዝኾነ ዝሓበራ እተን ሚኒስትር፤ እቲ ፀገም ብሓባር ንምክልኻል ኢትዮጵያ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብዘሳተፈ መልክዑ እናሰርሐት ከምትርከብ ኣልዒለን።

ብይስማው ኣደራው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.