Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ብልዕሊ 20 ሚልየን ብር ዝተሃነፀ ኣካዳሚ ህፃናት ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ብዘት ኣብ ኣሜሪካ ነባሪ ብዝኾነ ግዱስ በዓል ሃፍቲ መምህር ሓዱሽ ደብረፅዮን ዝተሃነፀ ቤት ትምህርቲ ኣካዳሚ ህፃናት ተመሪቑ።

እቲ ቤት ትምህርቲ ብልዕሊ 20 ሚልየን ብር ዝተሃነፀ እንትኸውን፥ ኣብታ ከተማ ፈላማይ ኣካዳሚ ህፃናት ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብትምህርቶም ብቑዓት ንባዕሎም፣ ህዝቦምን ዓዶምን ዝኾኑ ህፃናት ንምህናፅ ዓሊሙ ዝተሃንፀ ከምዝኾነ ድማ ኣብ እዋን እቲ ምረቓት ተገሊፁ።

ኣብ ስነ ሰርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፥ ካልኦት ሰብ ሃፍቲ’ውን ኣሰር በዓል ሃፍቲ መምህር ሓዱሽ ደብረፅዮን ብምስዓብ መዋእለ ንዋዮም ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ኢንቨስት ክገብሩን ወለዶ ክሃንፁን ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

እቲ ኣካዳሚ፥ ብትምህርቶምን ስነምግባሮምን መርኣያ ዝኾኑ ህፃናት ብምህናፅ ኣብ ዕብየት ትግራይ ብፅሒቱ ከምምዝፍፅም ተገሊፁ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.